Fana: At a Speed of Life!

ብሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ዘደምም ስራሕ ንሰርሕ ኣለና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንዓለም ዘደምም ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ምንባር መርሃ ግብሪ ኣሰረን ኣንቢረን።

ሓምለዋይ ኣሰር ሉእላውነት ምግቢ ንምርግጋፅን ኣዲስ ኣበባ ሓምለዋይ ብምልባስ ከምኡ’ውን ንነበርታ ምቹእቲ ንምግባር ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢለን።

ማሕበረሰብና ብሓባር ተዋፊሩ ካብ መንጎ ዝሰርሖም ስራሕቲ መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓደ ኢዩ ብምባል፥ ኩላህና ብዝተሓባበረ ቅልፅም ፈልሲታት ብምትካል ታሪክ ክንሰርሕ ይግባእ ክብላ ገሊፀን።

ኣብ ሓደ ፀሓይ 700 ሚሊየን ፈልሲታት ናይ ምትካል መርሃ ግብሪ ኣብ መልላእ ሃገር ይካየድ ኣሎ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.