ብሓሳብ ናይ ምዝርራብ ባህሊ ንኽጉልብት ፖለቲከኛታት ልምዶም ሰኒዶም ከቕርቡ ይግባእ – ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓሳብ ናይ ምዝርራብ ባህሊ ንኽጉልብት ፖለቲከኛታት ልምዶም ሰኒዶምም ብመፅሓፍ ኣሰናዲኦምን ንዝቕፅል ወለዶ ከቐምጡ ይግባእ ኢሎም ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)።
“ኢትዮጵያዊ ዴሞክራሲ ፍለጋ” ብዝብል ርእሲ መፅሓፍ ዝፀሓፉ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ እቲ መፅሓፍ ምስወፅአ ኣነ ካብ ዘለኹዎ ፖለቲካ ፓርቲ ወፃኢን ካብ ተነሓናሕቲ ፓርቲን ዘይሻራዊ ሰባትን ብብዝተውሃቡኒ ርኢቶታት ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሓሳብ ንምዝርራብ ክፍቲ ከምዝኾኑ ተረዲአ ኢሎም።
እቶም ሚኒስትር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት÷ ሓሳባት ተሰኒዶም እንድሕር ቀሪቦም ኢትዮጵያዊያን ካብ ዝሓፈ ታሪኽ ብምምሃር ካብ ምጥፍፋእ ብዝበለፀ ንምዝርራብ ድሉዋት ከምዝኾኑ ከምዝተረድኡ ኣልዒሎም።
ዴሞክራሲ ዝብል ፅንሰ ሓሳብ ዓለም ለኻዊ ይኹን እምበር ሃገራት ኣብ ዘለወን ክብሪ ተመርኲዘን ምስ ባህሊ ህዝቢ ሓሩ ዝኸይድ ዴሞክራሲ እንትሃንፃ ሃገራዊ ምግባር ከምዝኽእላ እውን ኣብሪሆም።
ዴሞክራሲ ማለት ፀገም ዘይብሉ ስርዓት ምሕደራ ማለት ከምዘይኮነ ብምሕባር÷ ምስ ካልኦት ስርዓት ምምሕዳራት ዝሐሸን ዝተመረፀን ከምዝኾነ ስለዝተኣመነሉ ኢዩ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!