ብሓደጋ መኪና ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ላሊበላ ቀበሌ ደብረ ዘይት ከባቢ ሽምብርማ ቁፅሪ 2 ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ መኪና ህይወት ሸውዓተ ሰባት ሓሊፉ፡፡
ካብ ዝሞቱ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 5 ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ላሊበላ ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ታክቲክ ገበን ዋና ሳጅን ሃብትየ ካሳው ንፋና ዲጂታል ኣረጋጊፆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው