ብሓደጋ መኪና ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ዋጫለ ከባቢ ከተማ ሙከጡሪ ቀበሌ መቼላ ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ክሳብ ሕዚ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ሓሊፉ፡፡
ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ኣብ 21 ሰባት ኸቢድን ኣብ 17 ሰባት ድማ ቀሊልን ጉድኣት ምብፅሑ ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ትራፊክ ፖሊስ መምርሒ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኦሮሚያ ኢንስፔክተር ታከለ ቶሌራ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ካብ ሙከጡሪ ናብ ጂዳ ዝጉዓዝ ዝነበረ ብልሙድ ኣይሱዚ ተባሂሉ ዝፅዋዕን ኣውቶቢስ ህዝቢ መጉዓዓዚን ካብ ከለሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጉዓዝ ምስ ዝነበረ ተሸከርኻሪ ብምግጫዋ እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ሓደጋ 7 ሰዓትን 30 ምብፅሑ ንፋና ዲጂታል ዘረጋገፁ እቶም ሓላፊ÷ እቲ ሓደጋ ክብደቱ ብምሕባር ቁፅሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣረዲኦም።
ብዮሐንስ ደርበው