ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዶብ ማሌዢያን ታይላንድን ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ።
መበገሲኦም ካብ ማይናማር ከተማ ቡቲዳንግ ዝገበሩ ኣስታት 300 ሰባት ኣብቲ ዶብ እንትበፅሑ ናብ ካልኦት ሰለስተ ማእኸለዎት ጀልባታት ንክኸዱ ከምዝተገበሩ በዓል መዚ ማሪታይም ማሌዥያ ኣፍሊጡ።
ካብ መንጎ እተን ጀልባታት ኣብታ ሓንቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ክሳብ ሐዚ 10 ሰባት ብህይወት ዝተረኸቡ እንትኾኑ ሓደ ሰብ ህይወቱ ስኢኑ።
እተም ካልኦት ክልተ ጀልባታት ኣበይ ከምዘለዋ ኣይተፈለጠን።
ስለዝኾነ ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ዝጠፍኡ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ሰባት ንምድሓን ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!