Fana: At a Speed of Life!

ብሓደጋ ትራፊክ ህይት 11 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ሸነን ዱጎ ብዘጋጠመ ሓዳደጋ ትራፊክ ህይወት 11 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

ካብ መወትቲ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 25 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ፋሪድ ይሳቅ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

እቲ ሓደጋ፤ ብልምዲ ኣይሱዙ ተባሂላ ትፅዋዕ ናይ ደረቕ ፅዕነት ተሽከርካሪት 42 ሰባት ምስ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ፅዒና ካብ ከተማ ዋልዳያ ናብ ወረዳ መሰላ እናተጓዓዘት እናሃለወት ብምግልባጣ ዘጋጠመ ሓደጋ ኢዩ ኢሎም፡፡

ብፀሃይ ጉሉማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.