Fana: At a Speed of Life!

ብሓፁር ዝተዓፀዉ ልዕሊ 1 ሺሕን 400 መገዲታት ውሽጢ ንውሽጢ ተኸፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ብሓፁር ዝተዓፀዉ ልዕሊ 1 ሺሕን 400 መገዲታት ውሽጢ ንውሽጢ ክኽፈቱ ገይሩ፡፡

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ በዓል መዚ ኢያሱ ሰለሞን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ ኣብታ ከተማ መገዲታት ውሽጢ ንሽጢ ብሓፁር ስለዝተዓፀዉ ኣብ ምንቅስቓስ ትራፊክ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ፀኒሑ፡፡

እቲ በዓል መዚ ኣብ ኩለን ሪጅናት ብዝገበሮ ዳህሳስ መፅናዕቲ 2 ሺሕን 438 ኣብ ዝኾኑ ቦታታት መገዲታት ውሽጢ ንውሽጢ ጸኻጢሮም ከምዝተረኸቡ ኣመልኪቶም፡፡

ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፀፅታን ምምሕዳርን ብምውዳድ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብዝወገነ ወፍሪ ስራ ኣብ 1 ሺሕን 434 ቦታታት ተሓፂሮም ዝነበሩ መገዲታት ክኽፈቱ ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እዋናት ልዕሊ 1 ሺሕ ኣብ ዝኾኑ ቦታታት ዝተዓፀዉ ሓፁራት ናይ ምኽፋት ስራሕ ከምዝውገን ሓቢሮም፡፡

ብመሳፍንት እያዩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.