ብምትሕብባርን ዲፕሎማሲን ጥራሕ ዝረጋገፅ ፍትሓዊ ተረባሕነት ማይ ናይል
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍትሓዊ ተረባሕነት ማይ ናይል ብምትሕብባርን ዲፕሎማሲን ጥራሕ ኢዩ ዝረጋገፅ ኢሎም ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፡፡
ኣምባሳደር ዘሪሁን ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ መፈለምትኡ ጀሚሩ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ብመሰረት ውዕል ባዕዳዊ መግዛእቲ ንክመሓደር ብዝደልዩ ኣካላት ዘይተቛረፀ ስኑዕ ሓበሬታን ክሲታትን እናተኣናገደ ይርከብ።
ንኣብነት፥ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሑጅ ምስቲ ግድብ ንምዝማድ ዝተገበረ ከንቱ ፃዕሪ ኣዘኻኺሮም።
ብመሰረት እዚ ግብፂ ቀጥታ ንኢትዮጵያ ንምውንጃል ዝገበረቶ ፈተነ ብሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ግቡእ ምላሽ ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ወሓዚ ሩባ ኣባይ ዝጀመረቶ ልምዓት ፍትሓዊ ተረባሕነት፣ ዝምድና ቀጣናን ስጉምቲ ብሓባር ምልማዕን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ መሰረት ካብ ዘይብሉ ክሲ ምውፃእ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ወሓዚ ሩባ ናይል ኣተሓሳስባን ወዕልን ዘበነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣነ ጥራሕ ክጥቀም ዝብል ዝኣረገ ኣተሓሳስባ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ምስዚ ዘበን ሓቢሩ ዝኸይድ ንሓበራዊ ተረባሕነት ምስራሕ ከምዝሓይሽ ኣገንዚቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!