ብምንቅስቓስ ትምህርቲ ንወለዶ 2 ነጥቢ 23 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ምእኻብ ተኻኢሉ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምንቅስቓስ ትምህርቲ ንወለዶ ዝተፈላለዩ ዝምለከቶም ኣካላት ብምስታፍ 2 ነጥቢ 23 ቢሊየን ብር ሃፍቲ ምእኻብ ተኻኢሉ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረብኦ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ፍሉይ ትኹረት ብምሃብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢለን፡፡
6ይ ክፍሊ ከተማ ለኸ ፈተና ልዕሊ ፍርቂ ዘምፅኡ ተመሃሮ ቁፅሪ 95 ሚኢታዊ ከምኡ እውን 8ይ ክፍሊ ከተማ ለኸ ፈተና ልዕሊ ፍርቂ ዘምፅኡ ተመሃሮ ናብ 88 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ከምዝዓበየን ገሊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!