ብምጭንናቕ ትራፊክ ካብ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ኣውሮፕላን ዝተረፈት ህንዳዊት…
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቡሚ ቹሃን ብምኽንያት ምጭንናቕ ትራፊክ ካብ በረራ ሰዓት 10 ደቒቕ ደንጉያ ብምብፃሓ ካብቲ ዘስካሕኽሕ ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣውሮፕላን ክትተርፍ ክኢላ፡፡
ቡሚ ቹሃን ተምሃሪት ቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽን እንትትከውን÷ ናብራኣ ምስ በዓል ገዝኣ ኣብ እንግሊዝ ብሪስቶል ዝገበረት ኢያ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ እዋን ዕረፍታ ምስ ስድራኣ ንምሕላፍ ናብ ምዕራብ ህንዲ ኣምሪሓ ነይራ፡፡
እዋን ዕረፍታ ምስ ዛዘመት ድማ ናብ ለንደን ንምምላስ ብበረራ ቁፅሪ 171 ኣውሮፕላን ትኬት ከምዝቖረፅት ትዛረብ፡፡
ሰዓት በረራ እንትበፅሕ ድማ ቦሆሚ ቻውሃን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣህመዳባድ ምምራሕ ትጅምር፡፡
ይኹን እምበር ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እናኸደት እናሃለወት ልዑል ምጭንናቕ ትራፊክ የጋጥማ፡፡
መዕርፎ ነፈርቲ ኣሕመዳባድ እውን ካብ ሰዓት በረራ 10 ደቒቕ ደንጉያ ትበፅሕ፤ ዝምልከቶም ኣካላት ናብ ውሽጢ ከይትኣቱ ይኽልክሉዋ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ በረራ ኣምሊጡዋ፡፡
ትረፊ ዝበላ ነብሲ ከምዝበሃል ድማ በረራ ዘምለጣ ቡሚ ቹሃን ካብ ጣዕሳኣ እንተይወፅአት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ናብ ለንደን እናተጉዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን ከምዝተሓምሸሸት ከምዝረኣየት ምሕባራ ቢቢሲ ኣብ ፀብፃ ገሊፁ፡፡
ብኣቤል ንዋይ
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!