Fana: At a Speed of Life!

ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ምዕራብ አርሲ ሞዴል ህንፀት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ከተማ ነገለ ኣርሲ ህንፀት ሞዴል ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኡታ ዋዩ ኣጀሚሮም።

ብልዕሊ 500 ሚልዮን ወፃኢ ዝስራሕ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገላና ወልደሚካኤል (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ገሊፆም።

ብተወሳኺ ወፃኢታት እቲ ህንፀት ብሚኒስቴር ትምህርቲ ከምዝሽፈን ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)፣ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ቶላ በሪሶ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ መንግስቲ ክልልን ፌደራልን ተረኺቦም ።

ብፀሃይ ጉሉማ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.