Fana: At a Speed of Life!

ብሰራዊት ምክልኻል 18 ሚሊየን ፈልሲታት ክትከል እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክረምቲ ብኣባላት ሰራዊት 18 ሚሊየን ፈልሲታት ክትኸሉ እዮም ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዥር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡፡

ኣብ እዋን ክረምቲ ሰራዊት ምክልኻል መጀመሪ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ቅፅሪ ግቢ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተጀሚሩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን እቲ ሰራዊት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝካየዱ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ተሳትፎ ከምዝነበረ ብምሕባር÷ ካብ ሎሚ ጀሚሩ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝርከበሉ ዞባዊ ወፍሪ ፕሮግራም ተኸላፈልሲ ክካየድ እዮም ኢሎም፡፡

ብሰራዊት ምክልኻል 18 ሚሊየን ፈልሲታት ከምዝትከልን ብምሓበር÷ “ካብ ካምፕና ናብ ህዝብና” ብዝብል መሪሕ ወለንታዊ ስራሕ ከምዝስራሕን ገሊፆም።

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ወተሃደራዊ ኣታሼታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ብየሻምበል ምህረት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.