ብተካእቲ ፍርያታት ልዕሊ 1 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ብተካእቲ ፍርያታት 1 ነጥቢ 08 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ፡፡
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ከምዝበለኦ÷ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ዓውዲ ምፍራይ ውፅኢታውነት ብዝበለፀ ንምዕባይ ብዙሓት ስራሕቲ ተወጊኖም ኢለን፡፡
ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ምዕባይን ጭቡጥ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ኢለን፡፡
በዚ ድማ ኣብቲ ርብዒ ዓመት 37 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ ምፍራይ ከምዝተሰጋገሩ እተን ሚኒስትር ኣብሪሀን፡፡
ውፅኢታውነት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ እናተጠናኸረ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ 10 ፋብሪካታት ስራሕ ከምዝጀመሩ ተዛሪበን፡፡
ኢንዱስትሪታት ኣብ ተካእቲ ፍርያት ብስፍሓት ንኽሳተፉ ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ በዚ ድማ ዘዕግብ ውፅኢት ይርከብ ኢለን፡፡
ኣብ ዝሓፉ ሰለስተ ኣዋር ጥራሕ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ኣብ ተካእቲ ፍርያት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ልዕሊ 1 ነጥቢ 08 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
 
			 
				