ብቴሌ ብር ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር ዝውውር ገንዘብ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብቴሌ ብር ልዕሊ 4 ነጥቢ 9 ትሪሊየን ብር ዝውውር ገንዘብ ተኻይዱ ኢለን ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬሂወት ታምሩ።
ፍሬህይወት ታምሩ፥ ኢትዮ ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ተዛሪበን።
ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት 512 ከተማታት 4 ጂ፣ 16 ከተማታት 5 ጂ ኔትዎርክ ኣገልግሎት ምርካበን ኣብሪሀን።
1 ሺሕን 683 ሓደሽቲ ጣቢያታት ሞባይል ምትካሎም ብምሕባር፥ ብመሰረት እዚ ኣገልግሎት ኔት ዎርክ ስሉጥ ምግባር ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።
ዲጂታል ፋይናንስ ብምጥንኻር ስሉጥን ዘመናዊን ተበፃሕነትን ሓቛፊን ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝተሰርሐ እውን ገሊፀን።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!