Fana: At a Speed of Life!

ብትሩፋት ሌማት 13 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ፈርዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2017 ብመርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት 13 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ምፍራይ ተኻኢሉ ኢሉ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ሃፍቲ እንስሳትን ዓሳን ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ትሩፋት ሌማት ብምግቢ ርእስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል እጃም እናበርከተ ይርከብ፡፡

በቲ መርሃ ግብሪ ብፍላይ ኣብ ፍርያት ፀባ ብዝተወገነ ስራሕ ብብርኪ ሃገር ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ዓሌት ፀባ ላሕሚ ንምምሕያሽ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር÷ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ናይ ፀባ ኣላሕም ናይ ምድቓል ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪቦም፡፡

ቀረብ ዝተቀነባበረ መኖ ብምውጋን ፍርያት ፀባ ንምድንፋዕ ብትኹረት ከምዝተሰርሐ እውን እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ንፋና ዲጂታል ሓሮም፡፡

ኣብ 2017 በጀት ዓመት 12 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ንምፍራይ ተሓሲቡ 13 ቢሊየን ሊትሮ ፀባ ከምዝፈረየ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.