ብናይ ለውጢ መንግስቲ ኣብ ልምዓት ዘፈር ባህሊን ቋንቋን ዝተመዝገቡ ዓወታት …
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብናይ ለውጢ መንግስቲ ብዝሃ ባህሊን ሃፍቲታትን ከምኡ እውን ሃገር በቆል ፍልጠታት ብምልማዕ ማሕበራዊ ምትእስሳር ንጥንኻር ተኻኢሉ ኢዩ ኢሉ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን፡፡
እቲ ሚኒስቴር ብለውጢ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልምዓት ዓውዲ ባህሊን ቋንቋን ዝተረኸቡ ዓወታት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ፡፡
ኣብ መብርሂኡ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዐመታት ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ተፈፃምነት ፖሊሲ ባህሊን ቋንቋን ሓደ ከምዝኾነ ሓቢሩ፡፡
ረቂቅ ብሄራዊ ስትራቴጂ ልምዓት ሃገር በቀል ፍልጠታት ተሓንፂፁ፣ ኣከባብራ ህዝባዊ በዓላት ንምውሳን ኣብ ብዝወፅአ ኣዋጅ 1116/2017 መሰረት መምርሒ ኣከባብራ ህዝባዊ በዓላት ተሰናዲኡ፣ ረቂቕ ፖሊሲ ፍኖተ ካርታ ቋንቋ ኢትዮጵያ ብምሕንፃፅ ከምኡ እውን ስትራቴጂ ረቂቕ ስነድ ስነ ቃልን ምስናድ መፅናዕቲን ከምዝተሰናፈደአ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ኣብ መብርሂኡ፤ ሃፍቲታት ብዝሃ ባህሊን ሃገር በቆል ፍልጠታትን ብምልማዕ ማሕበራዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ምጥንኻር ከምዝተኽኣለ እውን ገሊፁ፡፡
ኣብ መዳይ ልምዓት ባህሊ ድማ ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ባህላዊ ስርዓታት ዕርቂን ዳይነትን /ኣፊኒ፣ ሄራ፣ ስርዓት ኔሞ እንትውገኑ በዓላትን ክብረበዓላትን ብምልማዕ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ 83 ክበረ በዓላት ፕሮፋይል ምስንዳእ፣ ክብረ በዓላት ንመብፅሒ ባህሊ ክውዕሉ ንምግባር ኣብ 5 በዓላት ሰፊሕ መፅናዕቲን ምርምርን ብምግባር እቶም ክብረ በዓላት ንማሕበራዊ ምትእስሳር ህዝቢታት ምውዓል ተኻኢሉ ኢሉ፡፡
ቋንቋታት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብምልማዕ፣ ተረባሕነትን ተበፃሕነትን ብምድንፋዕ ልምዓት ብዝሃ ቋንቋ ምጉልባት ከምዝተኽኣለ ኣፍሊጡ፡፡
ሓሙሽቲኦም ቋንቋታት ስራሕ ፌዴራል ሓዊሱ 30 ዝኾኑ ቋንቋታት ዲጂታይዝ ከምዝተገበረ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፤ ቋንቋታት ዲጂታይዝ ብምግባር ፕላት ፎርም ኣሰራርሓ መምሀሪ ብዝሃ ቋንቋ እንተሰናደአ ከምዝኾ ኣብሪሁ፡፡
ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣጠቓቕማ ቋንቋ ንምምሕያሽ ምስ በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ብሓባር ስራሕ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሉ።