Fana: At a Speed of Life!

ብኣምር መደመር መንግስቲ ሪፎርም ትካላት ሲቪል ሰርቪስ ናይ ምትግባር ግቡእ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ዓለምፀሃይ ጳውሎስ ብሓሳብ መደመር መንግስቲ ኩሎም ትካላት ሲቪል ሰርቪስ ሪፎርም ናይ ምትግባር ግቡእ ኣለዎም ኢለን።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን መድረኽ ልውውጥ ተሞክሮ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ ይሳለጥ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ እቲ ሪፎርም ኣገልግሎትን ምሕደራን መንግስቲ ብዝድለ ልህቀት ክቕፅል ዝገብር ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “ኣረኣእያ መደመር መንግስቲ ንብራኸ ዘፈራት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝተሰናደአ ስልጠና ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ሙሉ ብሙሉእ ክዛዘም ከምዘለዎ ኣንፈት ከምዘቐመጡ ገሊፀን።

ኣምር መደመር መንግስቲ ትካላት ዘበናት ዝሳገሩ ዘላቒን ነዓና ክመስሉን ኣለዎም ብዝብል ብግልፂ ከምዝተቐመተ ገሊፀን።

ብምዃኑ ድማ እቲ ሪፎርም ኣብ ሃገራዊ ሓሳብ ዝተቓነየ፣ ካብ ሃገራዊ ክብሪ ዝተቐድሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ኩሎም ትካላት ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.