ብኣዋልድ ዝኽበሩ ናይ ሓበራዊነት በዓላት ኣሸንዳ፣ አሸንድዬ፣ ሻደይና ሶለል…
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) በዓላት ኣሸንዳ፣ አሸንድዬ፣ ሻደይን ሶለልን ኣብ ቀፃሊ ብዝያዳ ክብሩ ብዝሓለወ መልክዑ ንክኽበር ምሕላውን ምሕብሓብን ይግባእ ኢለን ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ኣሸንዳ፣ አሸንድዬ፣ ሻደይን ሶለልን ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ኣብ መልእኽተን ኣሸንዳ፡ አሸንድዬ፣ ሻደይን ሶለልን ካብቶም ኣዋልድ ኣብ ኣዋርሕ ክረምቲ ዘብዕልዎም ናይ ሓበራውነት በዓላት እዮም ኢለን።
ኣዋልድ ዝተፈላለየ ባህላዊ ኣከዳድና ተኸዲነን፡ ብባህላዊ ኣሰራርሓ ፀጉሪ ደሚቐንን ወቂበንን ብነፃነት ናብ ኣደባባይ ወፂአን ባህሊንን ሓድነተንን ብምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጉስ ምዃኑ ገሊፀን።
እዞም በዓላት ኣብ ቀፃሊ ብዝያዳ ክብሮም ሓሊዮም ክበዓሉ ምሕላውን ምሕብሓብን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!