ብውፃእ ውረድ ዝተረኸበ ልዑል ክብሪ – ኦስማን ዴምቤሌ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኦስማን ዴምቤሌ ድሕሪ ብዙሕ ውፃእ ውረድ ዳግም ክብ ኣብ ዝበለሉ ፓሪስ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር 2025 ብምዃን ወርቂ ኩዕሾ ናይ ውልቁ ገይሩ።
ዴምቤሌ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1997 ኣብ ሰሜን ምዕራብ ፈረንሳይ ግዝኣት ኖርማንዲ ከተማ ኢቭሪው ኣብ ትርከብ ላ ማዴሊን መንደር ተወለደ።
ብዛዕባ እቲ ተፃዋቲ ዝትርኽ ፀብፃብ ዘ ኣትሌቲክ፥ ዴምቤሌ ከም ዴቪድ ቤካም፣ ሊዮኔል ሜሲን ስቴቨን ጄራርድን ዝበሉ ከዋኽብቲ ኩዕሾ እግሪ እናድነቐ ከምዝዓበየ ይሕብር።
ኣብ 7 ዓመቱ ኤ ኤል ኤም ኢቭሪው ዝተብሃለት ጋንታ ሰገናት ዝተፀምበረ እንትኸውን፥ በዚ ድማ ብፍላይ ተጋጠምቲ ተፃወትቲ ዝሓልፈሉ መገዲ ዘደንቕ ከምዝነበረ ኣብቲ እዋን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ተዛሪቡ።
ኣብ ዓይኒ ፕሮፌሽናል ጋንታታት ንምእታው ብዙሕ እዋን ዘይወሰደሉ ዴምቤሌ ኣብ 12 ዓመቱ ብመልመልቲ ጋንታ ሬን ተሓርዩ ናብ ኣካዳሚ እታ ጋንታ ተፀምበረ።
ኣብ 18 ዓመቱ ድማ ናብ ዋና ጋንታ ምስተፀምበረ ኣብ ዘበነ ውድድር 2015/16 ኣብ ሊግ-1 ንጋንታ ሬን 26 ፀወታታት ብምግባር 12 ሸቶታት እንተመዝግብ፥ ሓሙሽተ ንሸቶ ዝኾና ኮዓሻሹ ኣመዓራሪዩ ከቐብል ክኢሉ ኢዩ።
ኣብቲ መወዳእታ እቲ ዓመተ ውድድር ካብ ሊግ-1 ናብ ቡንደስሊጋ ብምምራሕ ናብ ጋንታ ቦሩሺያ ዶርትመንድ ተፀምበረ።
ብክልቲኦም ኣእጋሩ ብማዕረ ብቕዓት ክፃወት ምኽኣሉ ብብዙሓት ዝድነቕ ኦስማን ዴምቤለ፥ ድሕሪ ሓደ ዓመት ፃንሒት ዶርትመንድ ናብ ባርሴሎና ተዘዋዊሩ።
ብ105 ሚሊየን ዩሮ መበገሲ ሒሳብ ዝውውር ናብ ጋንታ ካታላን ምስተፀምበረ ኣብቲ እዋን ካብ ኔይማር ጁኒየር ቀፂሉ ክባር ተኸፋሊ ክኸውን እውን ክኢሉ ነይሩ።
ይኹን እምበር ካምፕ ኑ ኣብ ሽዱሽተ ዓመታት ፃንሒቱ ብጉድኣትን ካብ ሜዳ ወፃእ ብዘለዉ ምኽንያታትን ብውፃእ ውረዳት ዝተመልአ ነይሩ።
ፀሓፊ ቢቢሲ ስፖርት ጉሌም ባሌግ፥ ዴምቤሌ ብኸመይ ዳግም ናብ ትኽክለኛ መገዲ ዓወት ተመለሰ ብምባል ሰፊሕ ትንታነ ፅሒፉ።
ኣብ ባርሴሎና ብዘጋጠሞ ተደጋጋሚ ጉድኣት ብድምሩ ልዕሊ 780 መዓልቲታት ካብ ሜዳ ዝረሓቐ እቲ ተፃዋቲ ካብ ጉድኣቱ ብተወሳኺ ብዲስፕሊን ምሕንያት ብተደጋጋሚ በታ ጋንታ ንቕፅዓት ተቓሊዑ ኢዩ።
ኦስማን ዴምቤሌ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ምስ ሞሮኳዊት ፍቕረኛኡ ሓዳር መስሪቱ ኣቦ ቆልዓን ምስኮነ ኣብ ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ ለውጢታት ከምዝመፅኡ ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባት ይዛረቡ።
ዴምቤሌ ናብ ፈረንሳይ ተመሊሱ ናብ ገንታ ፒኤስጂ ምስተፀምበረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንጋንትኡ ታሪኻዊ ዓወት ሻምፒየንስ ሊግ ቁልፊ ተፃዋቲ ክኸውን ክኢሉ።
ፓሪሳዊት ጋንታ ፒኤስጂ ንፈለማ እዋን ወናኒት ክብሪ ፅዋዕ ሻምፒየንስ እንትትከውን ካብ ፓሪስ ናብ ኣንፈት ምዕራብ 96 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ትርከብ ኢቭሪው ዝተወለደ ዴምቤሌ ኮኸብ እቲ ውድድር ከምዝተብሃለ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ውድድር ብኩሎም ውድድራት ኣብ ዝገበሮም 54 ፀወታታት 33 ሸቶታት ብምምዝጋብ 15 ንሸቶ ዝኾና ኮዓሻሹ ንደቂ ጋንትኡ ኣመዓራሪዩ ብምቕባል ኣብ 48 ሸቶታ ቀጥተኛ ተሳትፎ ገይሩ።
ትማሊ ምሸት ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተወገነ ስነ ስርዓት ሽልማት 2025 ባሎንዶር እታ ወርቂ ኩዕሾ ካብ ኢድ ብራዚላዊ ኮኸብ ሮናልዲንሆ ጎቾ ተቐቢሉ።
ኣብቲ ስነስርዓት ሽልማት ብንብዓት ኣብ ዝተዓጀበ መደረኡ፥ ኣብዚ ቦታ ተረኺበ እዚ ሽልማት ካብ ኢድ ሮናልዲንሆ ምቕባለይ ነዓይ ልዑል ክብሪ ኢዩ፡፡ እዚ ዝገልፀሉ ቃላት የብለይን፡፡ ኣብ ፒኤስጂ ንዝተውሃበኒ ዕድል ከመስግን ይደሊ ክብል ተሰሚዑ፡፡
ዝሓለፎም መገዲታት ቀሊል ከምዘይነበረ ብምግላፅ፥ ስድርኡ ብፍላይ ድማ እንኡ ንዝገበሩሉ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!