Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ ወርቂ፣ ጥረ ገንዘብን መሳርሒታት ኣፅዋርን ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 76 ተጠርተርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን ፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዘይሕጋዊ ወርቂ፣ ጥረ ገንዘብን መሳርሒታት ኣፅዋርን ተሳቲፎም ዝተብሃሉ 76 ተጠርተርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኢሉ ግልጋሎት መርበብ ብሄራዊ ደሕንነት፡፡

እቲ ግልጋሎት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፣ ኣብ ዝተገለፁ ተግባራት ገበን ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት ወፃኢ ዓዲን ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ሲዳማን ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን ክትትል ክግበረሎም ፀኒሑ፡፡

ብፅኑዕ ዲስፕሊን ዝተኻየደ ክትትል ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ምስ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ሓበሬታን መረዳታን ኣዋዲዱ ነቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውዒሎም፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምፍራይ ወርቂ፣ ምሕባእን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ማዕድን ወርቂ፣ ካብ ሃገርና ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ኣብ ምስግጋርን ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ዝተሳተፉ ገበነኛታት ምዃኖም እቲ መግለፂ ኣመላኺቱ።

እቲ ግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ምስ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያን ትካላት ፀጥታ ክልላትን ብምውዳድ ኣብ ዘካየዶ ኣፕሬሽን ክሳብ ሕዚ 45 ናይ ወፃኢ ሃገር ዜጋታትን 31 ዜጋታት ውሽጢ ዓዲን ብድምር 76 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንክውዕሉ ተገይሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተኻየደ ፈተሻ ልዕሊ 7 ኪሎ ግራም ዝግምቶም መጋየፂታት ፍርያት ወርቂን፣ መፅረዪን መዐቀኒን ወርቂ መሳርሒታት፣ ከምኡ እውን ጂፒኤስን መፅረዪ ኬሚካላትን ተታሒዞም።

ብተወሳኺ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ማለት እውን ልዕሊ 19 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ኢትዮጵያ፣ 285 ሺሕ 797 ዶላር፣ 207 ሺሕ 910 ዩሮ፣ 16 ዲርሃምን ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ ሃገራት ኖት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኩናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.