ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ንበሩ ማለት ፍርደ ገምድል ኢዩ – ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ንበር ማለት ፍርደ ገምድል ኢዩ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ምትሕብባር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሀ(ዶ/ር)።
እዚ ኣተሓሳስባ ፍርደ ገምድል ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ብምዝርራብ ምፍታሕ ከምዘድሊ ኣረጋዊ በርሄ (ዶ/ር) ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ተዛሪቦም።
ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያዊ ኩሉ ዝሓቶን ብኢ-ፍትሓዊ መገዲ ዝሰኣኖን ኢዩ ኢሎም።
ንረብሓ ፖለተሪካን ስልጣን ንምሕላውን እንትብሉ ውሑዳት ሰባት ኣፍደገ ባሕሪ ኣሕሊፎም ከመዝሃቡ ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ዓለም ብትዕዝብቲ ይርእዮም ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ስልጣን ንምሕላው ደገፍ ሻዕቢያ የድሊየና ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎሎም ተቐሪፁ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ቁምነገር ኣይረኣይዎን ኢሎም።
ንረብሓ ፖለቲካ አንትበሃል ዓለም ዝድግፎ፣ ታሪክ ዝምስክሮን ሕጋዊ ኣግባብ ዘለዎን ረብሓ ህዝቢ ኣሕሊፍካ ምሃብ ክሕደት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ስርወ መንግስቲ ኣኽሱም ካብ ወደብ ኣዶሊስ ጀሚሩ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተራኸበ ናይ ነወቂሕ እዋን ታሪክ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሰላም፣ ታሪክን ሕጊን ተራእዩ ክፍታሕ ዝኽእል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብብርሃኑ ኣበራ