Fana: At a Speed of Life!

ብይን ታሪኽን ፖለቲካን ዝለወጥናሉ ትእምርቲ ሓበራዊ ዓወታትና ኢዮም!

ብይን ታሪኽን ፖለቲካን ዝለወጥናሉ ትእምርቲ ሓበራዊ ዓወታትና ኢዮም!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብፃዕሪ፣ ረሃፅ፣ ፍልጠትን ደምን ደቂ ዓባይ ኢትዮጵያ ዝተሃነፀ ትእምርቲ ምኽኣል ኢዩ፡፡ ድሕሪ ሕዚ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ፍትሓዊ ተረባሕነት እምበር ተመልካቲት ኣይኮነትን፤ ኣብ ኣፍሪካ ወናኒት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ እምበር ናይ ነዊሕ እዋን በዓልቲ ዋና ረብሕኡ ግን ተመልካቲት ኣይኮነትን፡፡

ናይ ዓለምና ነዊሕን ኣብ ፈታኒ መልክኣ ምድሪን ዝሓለፈ ሩባ ተሓባቢሮም ዝገትኡ ኢትዮጵያውያን ሕልሞም ካብ ምዕዋት ዝዓግቶም ዋላ ሓደ ምድራዊ ሓይል ኣይነበረን፤ ኣይነብርን እውን፡፡

ህዳሰ ዝተኣሳሰረ ዓቕሚ ብዝሃነት ኢትዮጵያ ዝተርኣየሉ፣ ናይ ክፍለ ዘበኑ ናይ ዓለም ታሪኽን ፖለቲካን ዝቕይር ተምሳሌታዊ ፃዕሪን ዓወትን ካብ ኢትዮጵያ ከምዝፍልፍል ዘመስከረ ኢዩ፡፡ ኣብ መዛዘሚ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣብ ዝተሓላለኸ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ሰራሕን ፀገማት ሓሊፎም ዓወት ዓድዋ ንዓለም ቃልሲ ናፅነት ዘብርሁ ኢትዮጵያውያን ነይሮም።

እቲ ዓወት ቃልሲ ፀረ ባዕዳዊ መግዛእቲ “ቅድሚን ድሕሪን ዓወት ዓድዋ” ኢሉ ዝኸፈለ ዓብዪ ብርኪ ታሪኽ ኢዩ፡፡

እነሆ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን እውን ኢትዮጵያውን ዳግማይ ዓድዋ አዕዊቶም ኣለዉ፡፡ “ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ቅድሚን ድሕሪን ግድብ ህዳሰ፣ ፖለቲካ ኣፍሪካ ቅድሚን ድሕሪን ግድብ ህዳሰ፣ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ቅድሚን ድሕሪን ግድብ ህዳሰ” ኢልካ ምፍላይ ዝኽእል ዓብዪ ዓወት ተመዝጊቡ፡፡

ኣዚ ዓወት ድማ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኢዩ፡፡

ግድብ ህዳሰ ናይ ኣይኽእሉን ያታ ‘ኢትዮጵያውያን ኣይከኣሉ’ ናብ ዝብል ቀይሩ ኢዩ፡፡ ካባና ዝተዓደጉ ናይ ውሽጢ ተለኣኣኽቲ ዝተፈጠሩዎ ሕድሕዳዊ ጎንፂን ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዲፕሎማሲን፣ ዘይንፈልጦም ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ውዕላትን መዲያ ታሪኻዊኻላእቲን ተሓባቢሮም ዘትረፉ ዓወት ኢዩ፤ ህዳሰ፡፡

ህዳሰ ናይ ኢትዮጵያን ዓቕሚ ምልማዕን ብስራት ርእሰ ምኽኣል ኣፍሪካዊያንን ሕድሕዳዊ ምትእስሳርን ኣዚዩ ዝውስን ኢዩ፡፡ ህዳሰ ዝሕደስ ሓይሊ ብምፍልፋል በካሊ ፍልፍላት ሓይሊ ዘትርፍ ዓለም ክድግፎ ዝግባእ እናፈተኖ ዝነበረ፣ ግን ብሓበራዊ ፃዕሪ ኢትዮጵያውያን ዝተዓወተ ፍሉይ ፕሮጀክትና ኢዩ፡፡

ህዳሰ ንኢትዮጵውያን ካብ መኹርዒ ሓሊፉ ፍልፍል ሓይሊ፣ ሃፍቲ ፍርያት ዓሳ ዝርከበሉ፣ መብፀሒ ቱሪዝም እውን ኢዩ፡፡ ህዳሰ ንካልኦት ተፋሰስ ሃገራት ተምሳሌት ፍትሓዊ ተረባሕነት ኢዩ፡፡

ህዳሰ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ካብ ውሕጅ ዝከላኸል ውስናኦም፤ ብትነት ይባኽን ዝነበረ ማይ መፅንሒ፤ ዓመት ሙሉእ ዝተመጠነ ማይ ዝረኽባሉ፤ ግድቦም ብደለል ከይመልኡ መከላኸሊአን ኢዩ፡፡

ከምዚ ዝበለ ረብሓ ዘለዎ ግድብ ምድጋፍ መተገበአ ነይሩ፤ ነገር ግን እዚ ኹሉ ረብሓ ብምርሳዕን ህዝቦም ብዝተሰሓሓተ መገዲ ክሕግዞ ብምግባር ታሪኻዊ ፀላእቲ ናትና ተረባሕነት ንምትዕንቓፍ እናፀዓሩ ነይሮም፡፡ ኩይኑ ግን ኣደንጒዮምና እምበር ኣየትረፉናን፡፡

ንሕና ኢትዮጵያውያን ወነንቲ ሰብኣዊነትን ሞራልን ህዝቢታት ኢና፡፡ ኣይኮነን‘ዶ ተፈጥሮ ንሓባር ዝሃበና ሩባ ንብሕቲ ምጥቃም ንኻኦት ክንጎድእ፤ ባሕሪ ተሳጊሩ ከጥፈአና ዝመፅአ ፀላኢ ዋላ ሓንቲ ሕጊ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰል፣ ትካልን ኣሰራርሓ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ማሪኽና፣ ተኸናኺንና ዝሓዝና፣ ብኽብሪ ናብ ሃገሩ ዝመለስና ወነንቲ ሰብኣዊነትን ሞራልን ኢና፡፡

ህዝቢታት ታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ክፈልጡልና ንደልዮ እውን እዚ ኢዩ፡፡ ይኹን እምበር ሓይሊ ካብ ጉዕዞ ምዕባለና ከተዓናቕፈና ዝፍኖ፣ ሉኣላዊነትናን ናፅነትናን ክፈታተን፣ ኣብ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻኻ ሃፍትና ከይንጥቀም ክኽልክለና ዝኽእል ምድራዊ ሓይሊ ኣይህሉን፡፡

ህዳሰ ነዚ መርአያ ትእምርትና ኢዩ፡፡

ብሓባር ክኢልና ኢና፤ ንኽእን እውን ኢና!

ጳጉሜን 2017 ዓ.ም

3 ጳጉምን 2017 ዓ/ም

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.