Fana: At a Speed of Life!

ብዲጂታል ዝተሓገዘ ትግበራ ሴክተር ልምዓት ፋይናንስን ኢንሹራንስን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብዲጂታል ዝተሓገዘ ትግበራ ሴክተር ልምዓት ፋይናንስን ኢንሹራንስን እናካየደት ምዃና ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምሕረቱ ገሊፆም።

መበል 51 ዓመታዊ ኮንፈረንስ ትካል ኢንሹራንስ ኣፍሪካን ሓፈሻዊ ኣኼባን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣይተ ማሞ ኣብዚ እዋን፤ እናተኻየዱ ዘለው ኣብ ዓውደ ውልቀ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ዘበረታትዕን ኢንቨስትመንት ብዘረጋግፅ መልክዑ ብፍሉይ ኣመራርሓ እናተተግበረ ምዃኑ ኣረጋጊፆም፡፡

በዙይ እውን ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዘላቒ ዕብየት ኢኮኖሚ ብዘረጋግፅ መልክዑ ካብ ሕጊ ምምሕያሽ ጀሚሩ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዘምፅእ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ልምዓት ሴክተር ኢንሹራንስ ብምሕጋዝ ልዑል እጃም ምብርካቶም ሓቢሮም፡፡

ብለይኩን ኣለም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.