ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሓምለዋይ ኣሰሮም ኣንቢሮም።
ብፁኣን ኣቦታት ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዘካየዶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ቪኣይፒ ተርሚናል ኢዩ።
ኣብ እዋን እቲ ተኸላ ፈልሲ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትሪን ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፥ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዝለዓለ ኣበርክቶ እትገብር ዘላ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
ኩለን ትካላት ሃይማኖት ሓምለዋይ ኣሰረን ምንባር ዝኽእላሉ ስፍራ ብምምሕዳር እታ ከተማ ተፈሊዩ ምድላዉ ገሊፆም።
ምእመናን ብንቕሓት ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብዙፋን ካሳሁን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!