ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ንፀገም ዝተቓልዑ ወገናት ብምሕጋዝ እቲ መዓልቲ ንኹልና ፍፁም ብርሃን ኮይኑ ንኽውዕል ክርስቲያናዊ ግቡእና ክንዋፃእ ኣለና ኢሎም፡፡
ኢየሱስ ክርስቶስ ብትንሳኤኡ ትንሳኤና እንተበስረና ናይ ትንሳኤ ሰባት ኮይንና ብመንፈስን ብሞራልን ብምዕባይ ብርሃናተ ዓለም ክንከውን እምበር ዳግም መሳርሒታት ናይ ፀልማት ሓይሊ ንኽንከውን ኣይኮነን ኢሎም፡፡
ኩልና ብሰናይ መገዲ ፈጣሪ ክንጓዓዝ ይግባእ ክብሉ እውን ናይ ኣቦ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም።
ብልደቷ ታመነ