Fana: At a Speed of Life!

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ በዓል ልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ኣብ መልእኽጾም፥ በዓል ልደት ጎይታና፣ ኣምላኽናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚአብሔር ሰላምን ፍቕሪን ንኹሎም ደቂ ሰባት ዝተኣወጀሉት ዕለት ኢዩ ኢሎም።

ምእመናን እቲ በዓል ንዘላቒ ሰላም እታ ሃገር ብምፅላይን ብምሕሳብን ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሕፅረት ምግቢ፣ ክዳንን መፅለሊን ዘጋጠሞም ወገናትና ብምድጋፍን ብምሕጋዝን ከኽብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ንኽብሪ እግዚአብሄር ኢልና ንሓድነት ሃገርን ንፍፁም ሰላም ህዝቢን ካብ ልቢ ብምብልዕዓል እቲ በዓል ነኽብር ክብሉ እውን ኣቦኣዊ ፃውዒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.