Fana: At a Speed of Life!

ብፕሬዚዳንት ታዬ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ 80 ዙር ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ 80 ዙር ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ይሳተፍ ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ ሓዊሱ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራን ካልኦት ላዕለዋት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

እቲ ጉባኤ “ድሕንነት ብሕብረት” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ባዕላ ብሄራዊ ረብሓታትን ረብሓታት ኣፍሪካን ብዝሓለወ መገዲ ንቑሕን ጠንካራን ተሳትፎ ክትገብር ኢያ ዘብል ትፅቢት ኣሎ።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉባኤ ክልቲኣዊን ኩለ መዳየን ዘተታት ብምግባር ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ብሄራዊ ረብሓታት ቀዳምነት በምሃብ ከምእትሳተፍ ተገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.