ብ48 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ 500 ሽሕ ዘመናዊ ቆፃሪታት ንምግጣም ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብ48 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ብብርኪ ሃገር 500 ሽሕ ቅድመ ክፍሊት ስማርት ቆፃሪታት ንነባሪታትን ሓዱሽ ዓማዊል ዘኽእል ፕሮጀክት ይትግበር ኣሎ።
ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣንዋር ኣብራር ከምዝበልዎ፤ እቲ ፕሮጀክት 125 ሽሕ ስማርት ሰለስተ ፌዝ፣ 25 ሽሕ ስማርት ነፀላ ፌዝ፣ 350 ሽሕ ኦፍላይን ሓደ ፌዝ ዘመናዊ ቅድመ ክፍሊት ቆፃሪ ንምግጣም እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ክሳብ ሐዚ ዝተሰርሑ 7 ነጥቢ 5 ኪሎ ዋት ሓይሊ ዝጥቀሙ ንመንበሪን ንግዳዊን ዓማዊል 60 ሺሕ 457 ሓደ ፌዝ ቆፃሪ ምግጣሞም ሓቢሮም፡፡
ብተወሳኺ ካብ 8 ክሳብ 24 ኪሎ ዋት ሓይሊ ብምጥቃም ንመንበሪ፣ ንግዳውን ኣናእሽቱን ኢንዱስትሪታት ዝውዕሉ 7 ሽሕን 13 ሰለስተ ፌዝ ቆፃሪታት ተገጢሞም ኢሎም፡፡
እዞም ዘመናዊ ቆፃሪታት ቅድመ ክፍሊት ዘለዎም ዓማዊል ናብ ማእከላት ኣገልግሎት ከይከዱ ሞባይሎም ተጠቒሞም ቶከን ብምግዛእ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክመልኡ ከምዘኽእሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 67 ሽሕ ዓማዊል ብሞባይል ኣፕሊኬሽናት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ባንኪ ኣዋሽን ኣብ ምሉእ ሰሙን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክገዝኡ ዕድል ከምዝፈጠረ እውን ገሊፆም።