Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ መረፃ ን45 ንተዓዘብቲ ውሽጢ ሃገር ኣፍፈልጦ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝዕዘቡ 45 ተዓዘብቲ ውሽጢ ሃገር ሰርቲፊኬት ኣፍልጦ ሂቡ።

ነቶም ተዓዘብቲ ኣፍልጦ ዝተውሃበ እቲ ቦርድ ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት እንትኸውን፤ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝዕዘቡን መለክዒ ንዘማልኡን 45 ተዓዘብ ውሽጢ ሃገር ሰርቲፊኬት ኣፍልጦ ከምዝሃበ ተገሊፁ።

እቲ ቦርድ ቅድም ክብል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንዝዕዘቡ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ፤ ከይዲ ምዝገባ ተዓዘብቲ ቅልጡፍ ኣወዳድባ ሓበሬታ ዘበናዊ ንኽገብር ተሓሲቡ ዝተሰናደአ “ብመርበብ ሓበሬታ ምዝገባን ምውዳብ ሓበሬታን” ኣመልኪቱ መዕበዪ ግንዛበ ምሃቡ ኣዘኻኺሩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.