ቦርድ መረፃ ዲጂታል ናይ መረፅቲን ሐፁያት ስርዓት ምዝገባ ኣጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዲጂታል ናይ መረፅቲን ሕፁያትን ስርዓት ምዝገባ ኣጀሚሩ።
ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ዲጂታል ናይ መረፅቲን ሕፁያትን ስርዓት ምዝገባ ናብ ስራሕ ንምእታው ልዕሊ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዘ ወሲዱ።
እቲ ስርዓት ናብ ስራሕ ምእታዉ ንሰለጤን ስራሕ፣ ንትኽክለኛነተ ሓበሬታ፣ ንኣካታታይነት፣ ወፃኢ ንምንካይን ዓቕሚ እቲ ትካል ክብ ንብባልን ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምህረት ብግደኦም÷ እቲ ስርዓት ቦርድ መረፃ ካብ ወረቐት ኣሰራርሓ ናብ ዲጂታላይዜሽን ዝተሰጋገረሉ ልዑል ምዕራፍ ኢዩ ኢለን።
እቲ ስርዓት ዲጂታል ምዝገባ ንጉድኣት ኣካል ክምቹ ተገይሩ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ብቅድስት ኣባተ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!