ቦርድ መረፃ 30 ሚኢታዊት ዝኸውን መንግስቲ ናይ መጀመርታ ደገፍ ንውድባት ለቒቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 30 ሚኢታዊ ዝኾነ መንግስቲ ፈለማ ንድጋፍ ውድባት ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ሎሚ መዓልቲ ብወረቐት ድምፂ ንዝተመዝገቡ ሕፁያትን ፖለቲካዊ ውድባትን ስነ-ስርዓት ሎሚ የካይድ ኣሎ።
ኣማኻሪ ሕጊ እቲ ቦርድ ኣይተነው ደበበ ብወገኖም ብውድባት ስም፣ ምልክትን ምስሊን ብድምፂ ዝውሰነሉ ስርዓት ከይዲ መረፃ ፍትሓውን ተኣማንነት ዘለዎን ንክኸውን ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ድምፂ መውሀቢ ወረቐት ሕፁያትን ፓርቲታት ፖለቲካን መፍለዩ ስምን ምልክትን ምስሊ ሕፁያትን ዝተሓትመ ወረቐት ብምዃኑ መራፅቲ ንዝደልይዎም ሕፁያት ድምፆም ንምሃብ ዝጥቀሙሉ ወረቐት ምዃኑ ገሊፆም።
ብዘርዓያዕቆብ ያዕቆብ