Fana: At a Speed of Life!

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መረፃ ኣብ ዘካይደሎም ቦታታት ኩሎም ክሳተፍ ኢየ-ኢዜማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ መረፃ ኣብ ዘካይደሎም ቦታታት ኩሎም ክሳተፍ ኢየ ኢሉ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ)።

ኢዜማ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ ምርጫ ጠሚቱ ሎሚ መግለፂ ሂቡ።

ኣባል ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ኢዮብ መሳፍንት፥ ምርጫ መቕረቢ ኣማራፂታት ፖሊሲ፣ መመስረቲ ዝተረጋገዐ መንግስቲ፣ መሳርሒ መህነፂ ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ኣብ’ቲ ምርጫ ነዚ ዕላማ ንምጥቃም ጥራሕ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጦም።

እቲ ፓርቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣብቲ ምርጫ ንቑሕ ተሳትፎ ብምግባር ደምፂ ህዝቢ ንምርካብ ናይ ምድላው ስርሑ ከካየድ ከምዝፀንሐን ኣብ ዝቕፅሉ 7 ኣዋርሕ ውፅኢቱ ዝረኣየሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ  ሙሉዓለም ተገኘወርቅ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ፓርቲኦም ብሰለማዊ መገዲ ጥራሕ መንግስቲ ንምዃን ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

እቲ ፓርቲ መንግስቲ ሓዊሱ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እቲ ምርጫ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ተፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመራኦል ከድር

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.