Fana: At a Speed of Life!

ተሓጋዛይነት ናይ ምስስራሕ ጉልበት ዝበልዕ መንሽሮ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሓጋዛይነት ናይ ምስስራሕ ጉልበት ዝበልዕ መንሽሮ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፤ ኣብ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረቡሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ተሓጋዛይነት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ ፍረምረን ትሩፋት ሌማትን እንሰርሖ ስራሕ ካብ ተሓጋዛይነት ንምንጋፍ ብዘለና ቆራፅነት ኢዩ ኢሎም።

“ጭክን ኢልና ተሓጋዛይነት ይኣኽለና ክንብል ኣለና፤ ንኽእል ኢና ድማ፤ ርዳእታ ኣብ ውሽጡ ብዙኽ ጣጣ ኣለዎ፤ ንኢትዮጵያ መለመኒ ምግባር ጠጠው ክብል ኣለዎ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ተሓጋዛይነት ናይ ምስስራሕ ጉልበት ዝበልዕ መንሽሮ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመፅአ ሓሳብ ለውጢ ብዙሓት ዝላታት መፂኡ ኢሎም።

“ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2032 ዓ.ም ካብ ኣፍሪካ ካልአይ ኣብ 2036 ዓ.ም ድማ ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ ኢኮኖሚ ከምእትሃንፅ ጥርጥር ኣይብለይን” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.