Fana: At a Speed of Life!

ተሓጋዝነት ንምትራፍ ዝተጎድኡ ወገናትና ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምድጋፍ ጉዳይ ሉእላውነት ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሓጋዝነት ንምትራፍ ዝተጎድኡ ወገናትና ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ምድጋፍ ጉዳይ ሉእላውነት ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ መበል 90 ዓመቱ በዓል ምስረትኡ “90 ዓመታት ዝተሳገረ ኣሰር ሰብኣዊ ኣገልግሎት” ብዝበል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ተኸቢሩ።

ናይቲ ማሕበር ላዕለዋይ መራሒ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣብ ፈተናታት ኢትዮጵያ ዝተወለደ ናይ ርህራሀ መግለፂ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 90 ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኩሉ ንዘካየዶ ሰብኣዊን ጅግንነትን ተግባራት ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ዝተደረኸ ሰብኣዊ ኣሰር ንምንባር ጠመተ ክወሃብ ከምዝግባእ እቶም ፕሬዚዳንት ኣገንዚቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.