Fana: At a Speed of Life!

ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ውፅኢታዊ ተግባራት ተወጊኖም – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2018 ተረባሕነት ህዝቢ ዘረጋግፁ ውፅኢታዊ ተግባራት ተወጊኖም ኢለን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት በጀት 2018 ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ክረምታዊ ኣዋርሕ ኣብ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ናብራ ከሕድሩ ዝኽእሉ ተግባራት ብምፍላይ ህዝቢ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ተወጊኖም፡፡

በዚ ድማ ፅዕንቶ ምኽባር ናብራ ኣብ ምንካይ ምርግጋእ ዕዳጋ፣ ፍርያት ብበዝሒ ንኸኣቱ ናይ ምግባር፣ ኣብ ዕዳጋ ክበፅሑ ዝኽእሉ ምብልሻዋት ናይ ምቁፅፃርን ፅዕንቶ ናብራ ህዝቢ ንምቅላልን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ተዛሪቦም።

ሰብ ውዕለታ ሃገር፣ ዓቕመ ደካማታትን ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ወገናትን ብምፍላይ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

በዓላት ክብሪታቶም ሓሊዮም ብድምቀት ንኽኽበሩ ኢሉ እውን ሕብረት ህዝቢ ንኽጠናኸረሎም ከምዝተገበረ ኣብሪሀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.