ተረፈ ኣካል ሉሲን ሰላምን ኣብ ሙዚየም ደሴ ካብ ፅባሕ ጀሚረን ንምርኢት ክቐርባ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ መዓልቲ ሙዚየም ብብርኪ ሃገር ኣብ ዝኽበረላ ከተማ ደሴ ተረፈ ኣካል ሉሲን ሰላምን ካብ ፅባሕ ጀሚረን ንምርኢት ክቐርባ ኢየን፡፡
ኣብ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ሙዚየም ኣይተ ኣንዷለም ግርማይ ከምዝገለፁዎ፤ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ካብ ዘጋጠሞ ጉድኣት ንምድሓን ሕድሳት ዝተገበረሉ ሙዚየም ደሴ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ብኽፋል ንኣገልግሎት ክፍቲ ክኸውን ኢዩ፡፡
እቲ ሙዚየም ፅባሕ ኣገልግሎት ምሃብ እንትጅምር ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝተረኸበላ ምዃና ምስክር ዝኾና ሉሲና ሰላምን ኣብቲ ዑደት ክካተታ ኢየን ኢሎም፡፡
ዓለም ለኸ መዓልቲ ሙዚየም ብብርኪ ዓለም ንመበል 48 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 23 ግዘ ካብ 23 ክሳብ 27 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ደሴ ከኽበር ኢዩ።
ብሰብለ ሲሳይ