ተረፍ ፀወታታት መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናይ ሜዳን ሰዓትን ለውጢ ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናወቕዐ ብዝርከብ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተረፍ ፀወታታት ለውጢ መፃወቲ ሜዳን ሰዓትን ከምዝተገበረ ኮሚቴ ውድድርን ስነ ስርዓትን ኣፍሊጡ።
እቶም ፀዋታታት ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ንምክያድ መርሃ ግብሪ ዝወፅአ ይኹን እምበር እናወቕዐ ብዝሎ ከቢድ ዝናብ ምኽንያት ለውጢ ሰዓትን ቦታን ብምግባር ሎጊታ ኣብ ዝርከብ ሰብ ስራሕ ሜዳ ሃዋሳ ከምዝግበሩ ተገሊፁ።
ሎሚ መዓልቲ ቀትሪ ክካየድ ዝነበረ ፀወታ ወላይታ ድቻን ኣርባ ምንጭ ከተማን ለውጢ ቦታ ብምግባር ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሰብ ስራሕ ሜዳ ሃዋሳ ክካየድ ኢዩ፡፡
ካሊእ ፀወታ እዚ ዕለት ዝኾነ ኢትዮጵያ መድንን ባህርዳር ከተማ መዓዝ ከምዝካየድ ኣብ ቀፃሊ ከምዘፍልት እቲ ኮሚቴ ውድድር ኣፍሊጡ፡፡
ብተመሳሳሊ ፅባሕ ዝግበሩ መበል 28 ሰሙን ፀወታታት ናይ ሰዓትን ቦታን ለውጢ ዝተገበረ እንትኸውን÷ ድሬዳዋ ከተማ ምስ ሃዋሳ ከተማ ቀትሪ ሰዓት 7 ከምኡ እውን ሲዳማ ቡና ምስ መቻል ሰዓት 10 ኣብ ሰብ ስራሕ ሜዳ ሃዋሳ ክካየድ ኢዩ፡፡