Fana: At a Speed of Life!

ተሳትፎ ህዝቢ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ኣብ ምሕጋዝ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ተስፋሁን ጎበዛይ ተሳትፎ ህዝቢ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ኣብ ምሕጋዝ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዞባታት ሃላባ፣ ስልጤን ምብራቕ ጉራጌን ዝውገኑ ስራሕቲ ልምዓት ምስ ኣመራርሓ እቲ ክልል ብምዃን ተመልኪቶም፡፡

ኣይተ ተስፋሁን ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ መንግስቲ ብህዝባዊ ተሳትፎ ሃገራዊ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ብምቅልጣፍን ነባር ማሕለኻታት ናብ ዕድል ብምልዋጥን ኩለመዳይ ተረባሕነት ዜጋታት ንኽረጋገፅ እናገበረ ይርከብ፡፡

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ፀጋታት ብምፍላይ ናብ ሃፍቲ ንምልዋጥ ብዝተሰርሑ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ብዙሓት ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ገሊፆም፡፡

ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኢኒሼቲቫት ልምዓት ንምድጋፍ ልዑል ዓቕሚ ብምፍጣሩ መካተቲ ዕቤትን ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሃፍቲን ጋህዲ ገይሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.