ተሳትፎ ልምዓት ዳያስፖራ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳያስፖራ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ዘለዎ ተሳትፎ ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሉ ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ፡፡
ሓላፊ ክፍሊ ፕላን እቲ ኣገልግሎት ወንድወሰን ተረፈ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ ዝጀመረቶ ልምዓት ንምቕፃል ተሳትፎ ዳያስፖራ ኣድላዪ ኢዩ፡፡
ነዚ ድማ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ልምዓት ሃገር ዝገብሮ ተሳትፎ ንምጥንኻር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ብምግላፅ፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ናይ ዳያስፖራ ግንዛቤ ምዕባይ ስራሕ ከምዝተወገነ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ልዕሊ 300 ሺሕ ዳያስፖራታት ኣብ ልምዓት ውሽጢ ሃገር ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘኽእል ግንዛበ ተፈጢሩሎም ኢሎም፡፡
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ 5 ሺሕን 500 ዝኾኑ 2ይን 3ይን ትውልዲ መናእሰያ ዳያስፖራታት ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ኣብ ቀፃሊ መናእሰይ ኣብ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ንሃገሮም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ከምዝስራሕ ኣመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ 2 ሺሕን 400 ንዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ክሳተፉ ምኽሪን ሓገዝን ብመሃብ ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎምን ናይ ስራሕ ሓሳብ ዘቕረቡን 800 ዳያስፖራታት ኢንቨስት ንኽገብሩ ናብ ክልላት ከምዝተልኣኹ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ዳያስፖራ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ንግዲ፣ ቱሪዝምን ካልኦትን ብምስታፍ ንዕቤት ሃገር ግድኡ ንኽዋፃእ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!