ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ብሪክስ ብሓፈሻ ውፅኢታዊ ነይሩ- ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ብራዚል ሪዮ ዲ ጄኒሮ ዝካየድ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ብሪክስ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ውፅኢታዊ ነይሩ ኢሎም ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፥ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 17 ጉባኤ ብሪክስ ዝነበሮ ፃንሒት ዝጠመተ መብርሂ ሂቦም።
ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ መብርሂኦም፥ ተሳትፎ ጉባኤ ብሪክስ ብሓፈሻ ወፅኢታዊ ነይሩ ኢሎም።
ጎድኒ ንጎድኒ እቲ ጉባኤ ከልቲኣዊ ርክብ ዘጠናኽሩ ተግባራት ምክያዶም ተዛሪቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ጠመተ ካብ መንጎ ዝተገበረሎም ዛዕባታት ዓለም ለኻዊ ኩነታት ሓደ ኢዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ሓሳብ፥ ዓለም ኩሉ ከባቢ ምሕቛፍ ከምዝግበኣ ኣገንዚቦም ኢሎም።
ብፍላይ ድምፅን ተሳትፎን ኣፍሪካ ኣብ ኩለን ትካላት ክረጋገፅ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኢትዮጵያ ነዊሕ ታሪክ ዘለዋ፣ ስልጣነ፣ብዝሃ ባህሊ ዘለዋ ምዃና ብምግላፅ፥ ማሕበራዊ ልምዓት ክብ ንምባል ብምትሕብባር ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ብምዃኑ ንርክብ ሃገራት ደቡብ ምጥንኻር ከምዘለዋ ምግላፆም ሓቢሮም።
ከምኡ’ውን እቲ ጉባኤ ጉዳይ ፋይናንሰን ኢኮኖሚን ብፍላይ ሓዱሽ ባንኪ ልምዓት ብሪክስ ዘጠናኽረሉን ንልምዓት ሃገራት ፈንድ ዝግበረሉ ኩነታት ዝተላዘበ ከምዝኾነ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብሪሆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስተን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ተረባሒት ትኸውን ከምዘላ ምርግጋፆም ኣረዲኦም።
ብብርኪ ዓለም ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ቀረብ ፋይናንሰን ልቓሕን ንምፍታሕ ከምዚ ዓይነት ኣማራፂታት ኣድለይቲ ምዃኖም ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምእትሰርሕ ምግላፆም ተዛሪቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!