ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣቦ ነይሮም – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣቦ ነይሮም ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፡፡
ስነ ስርዓት ዱዓን ምፍናውን ኣስከሬን ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣብ ሚሊኒዬም ኣዳራሽ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት ታዬ፤ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ዓብዪ ሰብ ከምዝሰኣነትን መላእ ኢትዮጵያውያን ኣብ መሪር ሓዘን ከምዝርከቡን ተዛሪቦም፡፡
ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር ኢድሪስ ኣብ ህይወት ዘበኖም ምስትውዓልን ትእግስቲን መምርሒኦምን ድንኳኖምን ብምግባር ዝነበረሩ ዕንቊ ኣቦ ኢትዮጵያን ፅቡቕ ፍልጠቶም ዘምሀሩን ሰናይ መምህር ከምዝነበሩ ኣልዒሎም።
ንማሕበረሰብ ሙስሊም ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣቦ ከምዝነበሩ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ብፍልጠቶም፣ ብጥበቦምን ምርግገኦምን ምስትንታንን ርህሩህነትን ካብ ክፋት ተፈሊኻ ምንባር እናምሀሩ ነይሮም ኢሎም፡፡
ብሕልፈቶም ሰናይ ተግባሮምን ፀገኦምን ስኢንና ኢና ዝበሉ ፕሬዚዳንት ታዬ÷ ኣብ ሰናይ ተግባሮም፣ ፅቡቕ ስረሖምን ኣበርክቶኦምን ብኩሉ መዳይ እናተዘከሩ ከምዝነብሩ ገሊፆም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!