Fana: At a Speed of Life!

ተቛረፅቲ ኮንስትራክሽን ብብርኪ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪ ክኾኑ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ልዕሊ 20 ተቛረፅቲ ኮንስትራክሽን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሓዊሱ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ኮይኖም ክሰርሑ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2025 ክሳብ 2050 ዝትግበር ኢኒሼቲቭ ኮንስትራክሽን ኢንዱስትሪ ትራንስፎርሜሽን ስነ ስርዓት ዕላዊ መግበሪ ተኻይዱ።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ ስነ ስርዓት ከምዝበለኦ፤ ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢንዱስትሪ ዕድል ስራሕ ንኽፍጠርን ቀፃሊ ዝኾነ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታትን ንኽረጋገፅ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ተቛረፅቲ ውሽጢ ሃገር ኣብ ልዕሊ 70 ከተማታት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ፅሬት እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢረን፡፡

እቲ ኢኒሼቲቭ ምውዳድ ዘጠናኽርን ኩባንያታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ኣሰሮም ንኸዕርፉ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ክሳብ 20 ተቛረፅቲ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ዓመታት ኣብ ጎረባብቲን ዓለም ለኸን ደረጃ ተወዳደርቲ ክኾኑ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.