Fana: At a Speed of Life!

ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ንምድንፋዕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ጥዕና፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣማኻሪ መርሃ ግብሪ ሕክምና መንሽሮ ዶ/ር ኩኑዝ ኣብደላ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ 80 ሺሕ ሓደሽቲ ሕሙማት መንሽሮ ይምዝገቡ፡፡

ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ንምዕባይ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ በዚ ድማ ዝተማለአ ሕክምና ዝህቡ ቁፅሪ ትካላት ጥዕና 7 ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ 32 ሆስፒታላት ድማ መንሽሮ ብመድሓኒት ብጥራሕ ናይ ምሕካም ኣገልግሎት ኬሞ ቴራፒ እናተውሃበ ይርከብ ኢሎም፡፡

ሆስፒታላት ጥቁር ኣንበሳን ቅዱስ ጳውሎስን ከምኡ እውን ማእኸላት ሕክምና መንሽሮ ጎንደር፣ ጅማ፣ ሃዋሳ፣ ዓይደርን ሃረማያን ኬሞን ራዲዮ ቴራፒን ሓዊሱ ካልኦት ዝተማልኡ ሕክምናታት እናሃቡ ይርከቡ፡፡

ኣብ ሜዲካል ኮሌጅ ሚሊኒየም ቅዱስ ጳውሎስ ሰፊ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ማእኸል ሕክምና መንሽሮ እናተወገነ ከምዝርከብ እቶም ኣማኻሪ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡

ብዙፋን ካሳሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.