ተበፃሕነት ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ ምዕባይ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ተበፃሕነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ሚኢታዊ ንምብፃሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ማይ ኢነርጂ ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ማይን ኢነርጂ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ኣብዚ ዓመት ተበፃሕነት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ 72 ሚኢታዊ ነምብፃሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ን17 ሚሊየን ሕዝቢ ተበፃሒ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ንማሕበረሰብ ሙሉእ ብሙሉእ ተበፃሒ ንኽኸውን እናሰራሕና ንርከብ” ኢሎም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ በጀት ሓሊፉ ልቓሕ ብምውሳድ ሓወሲ ፀገም ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝፈትሑ በዙሓት ስራሕቲ እናተወገነ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ከም ሃገር 205 ኣቢያተ ትምህርቲ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ቀፅሪ እቲ ቤት ትምህርቲ ክረኽቡ ምግባር ከምዝተኽኣለ እውን ኣልዒሎም፡፡
ብካሊእ መዳይ ህንፀቶም ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ዘይኣተዉ ፕሮጀክታተ ማይ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ከምዝግበር ገሊፆም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ