Fana: At a Speed of Life!

ተወዳደርቲ ዜጋታት ንክትኮኑ እንተይሰረቕኩም ጠንኪርኩም ፈተናኹም ብባዕልትኹም ስርሑ-ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)ን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ፣ ኣተሓባባሪ ማሕበራዊ ክላስተርን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲን ኣይተ ኣንተነህ ፈቃዱን ኣብ ዞባ ከንባታ ሓፈሻዊ ላዕለዋይ ካልኣይ በርኪ ቤት ትምህርቲ ሺንሺቾ ተረኺቦም ናይ ሻድሻይ ክፍሊ መዛዘሚ ፈተና ኣጀሚሮም።

ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ካብ ስርቂን ምድንጋርን ብዝፀረየ መገዲ ጠንኪርኩም ፈተናኹም ስርሑ ብምባል መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ተምሃሮ ብባዕሎም ናይ ምትእምማን ዓቕሞም ክብ ብምባል ተወዳዳሪ ዜጋ ብምዃን ኣብ ምዕባለ እዛ ሃገር ብፅሒቶም ምንባር ከምዝኽእሉ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ቅድመ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ሺንሺቾ ንህፃናት ዝወሃብ ዘሎ ትምህርቲ ተዓዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.