Fana: At a Speed of Life!

ተፈጥራውን ታሪኻውን ቅርስታት ሰኒድካ ንቆልዑ ምምሃር ይግባእ – ወ/ሮ ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ መስሕባት ቱሪስት፣ ባህላዊ፣ ተፈጥራውን ታሪኻውን ቅርስታት ሰኒድካ ንቆልዑ ምምሃር ይግባእ ኢለን፡፡

ብምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ኦሮምያ ነጋ ወዳጆ ዝተፅሓፉ ክልተ መፃሕፍቲ ህፃናት ሎሚ ተመሪቖም።

ኣብቲ ምርቃት መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ፣ ኮሚሽነር ቱሪዝም ኦሮሚያ ሌሊሴ ዱጋ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዓብዱልዓዚዝ ዳውድ (ዶ/ር)ን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ።

እቶም መፃሕፍቲ መስሕባት ቱሪዝም፣ ባህላዊ፣ ተፈጥሮውን ታሪኻውን ቅርስታት ዝድህስሱ እንትኾን፤ቱሪዝም ኢትዮጵያ ሀ፣ ሁ(ABC’s of Ethiopian Tourism)ን ABC Tuuriizimii oromiyaa ብዝብሉ ርእሲ ዝተዳለው እዮም፡፡

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብዙሓት ሃፍቲ ቱሪዝም ትሕዝተኦም ብምስናድ ንወለዶ ብምሕላፍ ኣብ ቆልዑ ምስራሕ ይግባእ፡፡

እዚ ድማ ሃፍቲ ቱሪዝም ትሕዝተኦም ሓልዩ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍን ዘኽእል ምባለን ግዜኤ ፀብፂቡ።

እቶም መፃሕፍቲ ዘዳለዉ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ክልል ኦሮምያ ነጋ ወዳጆ እቶም መፃሕፍቲ ቆልዑ መስሕብ ቱሪዝም ሃገሮም፣ ባህላዊ፣ ተፈጥሮውን ታሪኻውን ቅርስታት ንምርዳእ ብዘኽእሉ ዝተዳለው መፃሓፍቲ ምዃኖም ኣመልኪቶም።

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

Website www.fanamc.com/tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.