ቲሞቲ ዊሃ ናብ ማርሴ ተፀንቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ወዲ ጆርጅ ዊሃ ቲሞቲ ዊሃ ብክለብ ፈረንሳይ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ ብዕሊ ተፀንቢሩ።
ብሄራዊ ጉጅለ ኣሜሪካ ተፃዋቲ መስመር ቲሞቲ ዊሃ ካብ ጣሊያን ክለብ ጁቬንቱስ ናብ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ ኣምርሑ።
እዚ ወዲ 25 ዓመት ተፃዋታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጁቬንቱስ ኣብ ዘካየዶም 30 ፀወታታት ሴሪ ኣ 5 ሸቶታት ኣቑፂሩ ክልተ ንሽቶ ዝኾን ኩዕሾ ኣመቻችዩ ኣቐቢሉ።
ቲሞቲ ዊሃ ኣብ 2023/24 ውድድር ዓመት ካብ ፈረንሳይ ክለብ ሊል ጁቬንቱስን ምፅንባሩ ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!