Fana: At a Speed of Life!

ቲሞቲ ዊሃ ናብ ማርሴ ተፀንቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ኮኾብ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ ወዲ ጆርጅ ዊሃ ቲሞቲ ዊሃ ብክለብ ፈረንሳይ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ ብዕሊ ተፀንቢሩ።

ብሄራዊ ጉጅለ ኣሜሪካ ተፃዋቲ መስመር ቲሞቲ ዊሃ ካብ ጣሊያን ክለብ ጁቬንቱስ ናብ ኦሎምፒክ ደ ማርሴ ኣምርሑ።

እዚ ወዲ 25 ዓመት ተፃዋታይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንጁቬንቱስ ኣብ ዘካየዶም 30 ፀወታታት ሴሪ ኣ 5 ሸቶታት ኣቑፂሩ ክልተ ንሽቶ ዝኾን ኩዕሾ ኣመቻችዩ ኣቐቢሉ።

ቲሞቲ ዊሃ ኣብ 2023/24 ውድድር ዓመት ካብ ፈረንሳይ ክለብ ሊል ጁቬንቱስን ምፅንባሩ ይዝከር፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.