Fana: At a Speed of Life!

ቴሌግራም ኣካውንቶም ኣብ ሰረቕቲ ሓበሬታ ከይወድቕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብፍሓት ኣብ ረብሓ ዝርከብ ቴሌግራም ናይ መብዛሕትኡ ንግዲን ማሕበራዊ ርክብን ማእኸል ኮይኑ ይርከብ።

ነገር ግን ኣድላዪ ጥንቃቐ እንተዘይተገይሩ ኣካውንትና ብቐሊሉ ንሳይበር ገበናት ቅቃልዑ ይኽእሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብስፍሓት እናጋጠመ ምስ ዝርከብ ጠለፋ ኣካውንት ርእሶም ንምሕላው ብህፁፅ ክትግብሩዎም ዝግብኡ ናይ ጥንቃቐ መገዲታት ዝስዕቡ ኢዮም፦

👉 በዓል ክልተ ደረጃ መረጋገፂ (Two-Step Verification)

እዚ ኣዚዩ ወሳኒ መከላኸሊ ኢዩ። ጠለፍቲ ናም ኤስኤምኤስ (SMS) ኮድ እንተሰርቁ እኳ ንሶም ዝፈጠሩዎ ተወሳኺ ናይ ይሕለፍ ቃል (Password) እንተዘይሃሊዩዎም ኣካውንቶም ክኸፍቱ ኣይኽእሉን።

  • ብኸመይ ይትግበር? Settings > Privacy and Security > Two-Step Verification ብምእታው ጥንኩር ናይ ይሕለፍ ቃል የእትዉ።

👉 ዘጠራጥሩ ሊንክታት ኣይጠውቑ!

ዝኾነ ይኹን ሊንክ ቅድሚ ምጥዋቖም ፍልፍሉ ብትኽክል የረጋግፁ።

👉 ዝኣትዉሎም መሳርሒታት ይቆፃፀሩ (Active Sessions)

🔍ንምፍታሽ፦ ናብ Settings > Devices ብምእታው ዘይፈልጡዎ መሳርሒ እንተሃሊዩ Terminate ብምግባር ብህፁፅ የወግዱ።

👉 ናይ ውልቃዊ ቅንብራት የስተኻኽሉ #Privacy_Settings

ስልኪ ቁፅሮም፣ ፕሮፋይል ምስሎምን ናይ “Last Seen” ኮነታቶምን ንዘይፈልጡዎ ሰብ ከይረአ ምግባር ካብ ማሕበራዊ ምህንድስና መጥቃዕቲታት ይሕልዎም።

እቲ ሓበሬታ ዝረኸብናዮ ካብ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን ድሕንነትን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.