ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ስርዓተ ትምህርቲ ንምጉልባት …
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 የካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴክኖሎጂ ዝመርሖ ስርዓተ ትምህርቲ ንምጉልባት ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ሚኒስቴር ትምህርቲ፡፡
እቲ ሚኒስቴር ካብ ቢሮ ትምህርቲ ክልላት ምስ ዝተውፃእፅኡ መዳርግቲ ኣካላት ኣፈፃፅማ መደባት 6 ኣዋርሕ ገምጊሙ።
ሚኒስትር ዴኤታ አየለች እሸቴ÷ ቴክኖሎጂ ናይ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ብዝሓሸ ኩነታት ንምፍፃም ልዑል ግደ ይፃወት ኣሎ ኢለን።
ስለዝኾነ ተበፃሕነት ቴክኖሎጂ ኣብ ኹሎም ዓውዲታት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፀን።
ብመንፅር ምስፋሕ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ እውን ህንፀትን ሕድሳትን ኣብያተ ትምህርቲ ብስፍሓት ምክያዱ ተዛሪበን።
ብይስማው ኣደራው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!