ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ንኬኒያ 3 ን 0 ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ሲካፋ መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ፥ ዳዊት ካሳው፣ ቢኒያም ኣብረሃን ብሩክ እይላቸውን ደሕሪ ዕረፍቲ ንሕድሕዶም ብድምር ሰለስተ ሸቶታት ተቖፂሩ።
ብመሰረት እዚ ትሕቲ 17 ዓመት ብሄራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ ምድቡ ሳልሳይ ኮይኑ ብምዝዛም ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።